ውዕል ዓሚል፦

ውዕል ዓሚል፦

JURK ኣብ 1974 ተመስሪቱ። ተማሃሮ ሕጊ ምስ ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ ኣማኻሪ ሕጊ ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈትን ብምትሕብባር ድማ እዩ ዝመሓደር።

 

መን እዩ ካባና ሓገዝ ክረክብ ዝኽእል፧

  • ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ካብ JURK ናይ ሕጊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል እያ።
  • ዓቕሚ ውሑድ እንተሃልዩና ቀዳምነት ነተን ዝተሓተ እቶት ዘለወን ክንሕግዘን ኢና። እዚ ማለት ብምኽንያት ኣታዊኺ ጕዳይኪ ክንጸግ ይኽእል እዩ።
  • ክትጥቀምሉ እትኽእሊ ሃብቲ እንተልዩኪ፡ እዚ ጕዳይኪ ንኽንነጽጎ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
  • ዓመጽ፡ ጾታዊ ምሽጋር ወይ ጾታዊ ኣድልዎ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት፡ ኣታዊኺን ሃብትኽን ብዘየገድስ ንሕግዝ ኢና።
  • ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተሓዝቲ ጉዳይ ምሳና ይሰርሑ እዮም። ብመሰረቱ እቲ መጀመርታ እትረኽብዮ እተዛራርብዮ ሰብ ወዲ ወይ ጓል ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ምስ ወዲ ተባዕታይ ክትዛረቢ ኣዝዩ ከቢድ እንተ ዀይኑኪ ግን ምስ ጓል ኣንስተይቲ ተሓዚት ጉዳይ ክትዛረቢ ምድላው ክንገብር ንኽእል ኢና።

ካባኺ እንታይ ንጽበ፧

  • ብዛዕባ ጉዳይኪ ብቕንዕና ክትነግርና ኣሎኪ፣ ክንሕግዘካ ኣብ ዘድልየና እዋን ድማ ኣገዳሲ ክኸውን ዝኽእል ሓበሬታ ክትሓብኢ የብልክን።
  • ክንረኽበኪ ምስ እንፍትን ክትምልሲ ኣሎኪ፣ ኣኼባታት እንተ ኣዳሊና ድማ ኣብቲ ዝተሰማማዕናሉ ሰዓት ክትመጽኢ ኣሎኪ።
  • ጉዳይኪ ንምርኣይ ዘድልዩና ሰነዳት ንምርካብ ክትሕግዝና ኣሎኪ። (ንኣብነት ካብ NAV ዝወሃብ ውሳነ፡ ውዕል ስራሕኪ ወዘተ)።
  • ኣብ መንጎኽን ኣብ መንጎ ካልእ እንሕግዞ ሰብን ናይ ረብሓ ጎንጺ ከም ዘሎ እንተ ፈሊጥኪ ክትዛረብ ኣሎኪ።
  • ምስ ተሓዚት ጕዳይኪ በቲ ናይ JURK ቍጽሪ ተሌፎን፡ ኢ-መይል፡ ደብዳበ ጥራይ ክትራኸቢ ወይ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ብምምጻእ ጥራይ ክትራኸቢ ኣሎኪ። ምስ ተሓዚት ጕዳይኪ ብውልቂ እንተ ተራኺብኩም ጉዳይኪ ክንዓጽዎ ኢና።

ጠቓሚ ሓበሬታ፦

  • ብዘይካ ኣብ በዓላት ልደትን ፋስጋን፡ ዓመት ምሉእ ክፉታት ኢና። እቶም ተሓዝቲ ጉዳይ ኣብ ሰሚናራትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ምስ ዝህልዉ እውን ንዓጹ ኢና። ኣብዚ እዋን እዚ ንጉዳያት ኣይንሰርሕን ኢና፡ ምሳና ክትራኸቢ ድማ ኣጸጋሚ እዩ።
  • ኩሉ ካባና እትረኽብዮ ሓገዝ ብናጻ እዩ። ኣብ ከም ኮሚተ ሽማግለ ዕርቂ ወይ ሽማግለ ክርክር ክራይ ዝኣመሰለ ጕዳያት እንተ ሓጊዝናኪ፡ ነዚ ዝኸውን ክፍሊት መስርሕ ክሓትቱኺ እዮም። ነቲ ክፍሊት ባዕልኺ ክትሽፍንዮ ኣሎኪ። ቅድሚ ንዓኺ ወኪልና ነቲ ጕዳይ ጥርዓን ምቕራብና ነቲ ክፍሊት ናብ ናይ ዓሚልና ሕሳብ ባንክ ክትከፍልዮ ኣሎኪ።
  • ንስራሕትና ዝምውሉ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ኮሙነ ኦስሎ፡ ቤት ምኽሪ ድሕነትን ዝተፈላለዩ ትካላትን እዮም። ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ድማ ናይቲ ዘለናሉ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ይኸፍል።
  • ሕጊ ኩባንያ፡ ግብሪ፡ ዑቕባ፡ ርስቲ ወይ ኢንሹራንስ ዝምልከት ጉዳይ ኣይንቕበልን ኢና። ናይ ለበዋን ናይ መርዓ ውዕልን ወረቐት ኣይነዳሉን ኢና። ካልኦት ፍልጠት ዘይብልና ርእሰ-ጉዳያት ክመጹና ኸለዉ እውን ነቲ ጕዳያት ክንነጽጎ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንገብር ድማ ጭቡጥ ገምጋም ምስ ገበርና እዩ።
  • ኣብቲ ዓይነታት ጕዳያትን ኵነታት እቲ እንሕዞ ጕዳይን መሰረት ብምግባር፡ እቲ እንሕግዘሉ ዓቕሚ እተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ።
  • ጉዳያት ናብ ቤት ፍርዲ ኣይንወስድን ኢና።
  • ንውልቀ ሰባት ጥራይ ኢና እንሕግዝ እምበር፡ ንትካላት ኣይንሕግዝን።
  • ተሓዝቲ ጉዳያትና ኣብ ኩሉ ጉዳያት ተሓባቢሮም ይሰርሑ እዮም። ጕዳይኪ ክምርመር ከሎ ብቐዋሚ ምሳኺ ርክብ ዝገብር ሓደ ሰብ ዝምደበልኪ እኳ እንተ ዀነ፡ ካልኦት ሓያሎ ሰባት ግን ኣብቲ ጉዳይኪ ክሳተፉ እዮም። ኣብ JURK ዝሰርሕ ኩሉ ሰብ፡ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ።
  • ከም ንቡር፡ መንነት ብዘየርኢ ቍጽሪ ተሌፎን ኢና እንድውል።
  • ምስ ናይ ኖርወይ ሕጊ ኣብ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ጥራይ ኢና እንሕግዝ።

መስርሕ ጕዳይ ዝወስዶ ግዜ፦

  • ንኹሉ ጉዳያት ብጽሑፍ ኢና ንርእዮ። እዚ ማለት ካባና ብደብዳቤ መልሲ ክትረኽቢ ኢኺ ማለት እዩ። ነቲ ደብዳበ ንምንባብ ሓገዝ እንተድኣ ደሊኺ፡ ተሓዚ ጉዳይኪ ክድውለልኪ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ደብዳቤ ምልኣኽና ብእተፈላለዩ ተሓዝቲ ጕዳይ ብዕምቆት ይምርመር እዩ።
  • ካባና መልሲ ቅድሚ ምርካብኪ፡ ካብ 3-4 ሰሙን ክወስድ ይኽእል እዩ።
  • እቲ ናይ ይግባይ ግዜ ምስ ሓለፈ ናባና እንተ መጺእኪ፡ ክንሕግዘኪ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ ኽሓልፍ ቍሩብ ምስ ተረፎ እንተ መጺእክና እውን ከምኡ ክንሕግዘኪ ኣይንኽእልን ኢና።
  • ካባና ደብዳበ እንተ መጺኡኪ፡ ገና ግን ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልየኪ እንተዀይኑ፡ ምላሽ ቅድሚ ምሃብና ገለ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

 

ብዛዕባ እንህበኪ ምላሽ፦

  • ብኻልእ መንገዲ እንተ ዘይተሰማሚዕና፡ እቲ እንህበኪ ምላሽ ነቲ ጕዳይኪ ብፍሉይ ዝምልከት እዩ። እዚ ማለት ከኣ ንኻልኦት ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢሙና ዝብሉ ሰባት እውን ዝውዕል ከይከውን ይኽእል እዩ።
  • ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ጥራይ ኢና ንህብ። ነቲ ጉዳይኪ እንታይ ፍታሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ኵሉ ሳዕ ኣይኰንናን ክንገልጽ እንኽእል።
  • ምናልባት ኣቐዲምና እተሰማማዕናሉ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብቲ ንሕና ዝለኣኽናልኪ ሰነዳት ገለ ለውጢ ጌርኪ ናብ ካልኦት ክትልእክዮ የብልክን።

 

ኣተሓሕዛ መዛግብትና፦

  • ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዝምልከት ኵሉ ሰነዳት፡ እቲ ጕዳይ ምስ ተወድአ ንዓሰርተ ዓመት ነቐምጦ ኢና። ነዚ ድማ ብኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ ኣብ ውሑስ ሰርቨር ኢና ነቐምጦ።

ጥርዓን፦

  • ብኣተሓሕዛ ጉዳይኪ እንተ ዘይዓጊብኪ፡ ምሳና ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ድሕሪኡ፡ ክንገብሮ ዝግበኣና ወይ ክንእርሞ ዝግበኣና ነገር እንተልዩ ክንርኢ ኢና። እቲ ዝቐርብ ጥርዓን ከም መአረምታ ዝመርሕ እንተ ዀይኑ ከነረጋግጽ ኣይንኽእልን ኢና።

 

ምዕጻውን ምንጻግን ምብራርን ጉዳያት፦

  • ኣብ ትሕቲ "ካባኺ እንታይ ንጽበ፧" ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዝጸሓፍናዮ ረቛሒታት እንተ ዘየማሊእኪ፡ ጉዳይኪ ክንዓጽዎ ንኽእል ኢና። ብድሕሪኡውን ሓገዝ እንተ ደሊኺ፡ ሓድሽ ጕዳይ ክንከፍተልኪ ንምሕታት ምሳና ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
  • ድሮ ንሓደ ሰብ ንሓግዞ እንተ ዄንና እሞ ንዓኺ እውን ምሕጋዝና ናይ ረብሓ ጎንጺ ክፈጥር ዝኽእል እንተ ዀይኑ፡ ክንነጽገኪ ኢና።
  • መጀመርታ ንዓና ከየማኸርኪ ምስ ሚድያ ርክብ እንተ ጌርኪ፡ ንጕዳይኪ ክንነጽጎ ንኽእል ኢና።
  • ብዙሕ ገንዘብ ኣብ ዘጠቓልል ጉዳያት ክንሕግዝ ኣይንኽእልን ኢና።
  • ብዙሕ ጕዳይ ክንቅበል ዓቕሚ እንተዘይብልና፡ ብሓደ ግዜ ትሕቲ 3000 ክሮነር ምስ ምኽፋል ዝተሓሓዝ ጕዳያት ንነጽጎ።
  • ድሮ ጉዳይኪ መርሚርናዮ እንተ ዄንና፡ ዳግማይ ነቲ ጉዳይ ኣይንምርምሮን ኢና። እቲ ካብ ካልኦት ዝረኸብክዮ ሓገዝ ድኹም ምዃኑ እንተ ዘይኣሚንና፡ ብኻልኦት ተሓጋገዝቲ ሕጊ ወይ ጠበቓታት ተታሒዞም ዝነበሩ ጉዳያት ኣይንሕዞምን ኢና።
  • ብቕዓት እንተዘይብልና፡ ጉዳይኪ ክንነጽጎ ኢና።
  • ንሰራሕተኛታትና እንተ ኣፈራሪህክዮም ወይ ንጽዩፍ ውልቃዊ መጥቃዕቲ እንተ ኣቃሊዕክዮም፡ ጉዳይኪ ኽንነጽጎ ኢና።
  • ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታትና ብዕድመ፡ ዓሌት፡ ጾታዊ ዝንባለ፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ሃይማኖት፡ ኣረኣእያ ህይወት፡ ጾታዊ መንነት፡ ጾታዊ መግለጺ ወይ ተግባራዊ ዓቕሚ ምኽንያት ንዝግበር ኣድልዎ ኣይንቕበልን ኢና። ከምዚ ዓይነት ኣድልዎ እንተ ኣርኢኺ፡ ጕዳይኪ ክንነጽጎ ንኽእል ኢና።
  • ኣብ ጉዳይኪ ካብ ካልእ ሰብ ሕጋዊ ሓገዝ እንተረኺብኪ፡ JURK ምስኡ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ዓማዊል ብኻልእ ሕጋዊ ሓገዝ ዝህብ ሰብ ኣብ ዝሕገዙሉ ኩነታት ስለ ዘይንሕግዝ እዩ። ኣብ ጉዳይኪ ጠበቓ እንተልዩኪ፡ ከም ንቡር JURK ክሕግዘኪ ኣይክእልን እዩ።

 

ሓላፍነት፦

  • ንስኺ ዀነ ንሕና ብሰንኪ ኤሌክትሮኒካዊ ርክብ ንዘጋጥም ጌጋታት፡ ጉድለት፡ ዕንወት፡ ሓደጋ፡ ቫይረስ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ካሕሳ ኽንሓትት ኣይንኽእልን ኢና።
  • ካባኺ ኣብ ልዕሌና ዝቐርብ ክሲ ኣብ ልዕሊ JURK ከም ትካል ጥራይ እዩ ክቐርብ ዝኽእል እምበር ኣብ ልዕሊ እቲ ውልቃዊ ተሓዚ ጉዳይ ኣይቀርብን እዩ።

 

ሕጊ ስነ ምግባር ጠበቓታት፦

  • ንትካልና ዝምልከት ሕግታት ስነ ምግባር ጠበቓታት ንስዕብ ኢና። ነዚ ሕግታት እዚ ኣብ ወብ ሳይት ማሕበር ጠበቓታት ክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ፦ www.jus.no.

ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ፦

  • ብዛዕባ ውልቃዊ ሓበሬታኺ ብኸመይ ከም እነሰላስሎ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ፖሊሲ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ ኣብዚ ሊንክ ሊንክ ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ።
Publisert 31. jan. 2024 08:54 - Sist endret 31. jan. 2024 09:04