ውዕል ዓሚል፦

Gul bygningsfasade

ውዕል ዓሚል

ፖሊሲ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ

ተሌፎን መቐበሊ ዓማዊል፦ 22 84 29 50
ኣድራሻ፦ Skippergata 23, 0154 Oslo
 

ጕዳይኩም ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ስደዱልና፦

በዚ ጕዳይኩም ስደዱልና ዝብል ጌርኩም እውን ምሳና ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ጉዳይኩም ምስ በጽሓና፡ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታትና ሓደ ኣካያዲ ጉዳይ ምሳኹም ርክብ ክገብር እዩ።

ሓደስቲ ጕዳያት ብተሌፎን እንቕበለሉ ናይ ስራሕ ሰዓታት፦

ኵሉ ሳዕ ሰኑይ ካብ ሰዓት 12.00 ክሳብ ሰዓት 15.00፣ ኵሉ ሳዕ ረቡዕ ካብ ሰዓት 09.00 ክሳብ ሰዓት 12.00 ከምኡውን ካብ ሰዓት 17.00 ክሳብ ሰዓት 20.00

ብኣካል መጺእኩም እተቕርብዎ ሓደስቲ ጕዳያት እንቕበለልሉ ናይ ስራሕ ሰዓታት፦

ኵሉ ሳዕ ሰኑይ ካብ ሰዓት 12.00 ክሳብ ሰዓት 15.00፣ ኵሉ ሳዕ ረቡዕ ካብ ሰዓት 17.00 ክሳብ ሰዓት 20.00

ድሮ ምሳና ጉዳይ እንተልይኩም እንኸፍተሉ ናይ ስራሕ ሰዓታት፦

ኵሉ ሳዕ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ሰዓት 09.00 - 15.00

ጉዳይኩም ብፖስታ ክትሰዱልና ትኽእሉ ኢኹም፦

ኣድራሻና፦ JURK, Skippergata 23, 0154 Oslo.

ተወሳኺ ሓበሬታ

ምስ ሕጊ ዝተሓሓዝ ጕዳያት ብኢ-መይል መልሲ ኣይንህብን ኢና።
JURK ንኹሎም ጉዳያት ብጽሑፍ ከም ዘሳልጦምን እቲ ናይ መስርሕ ግዜ ድማ ሰለስተ ሰሙን ምዃኑን ይሕብር።

ብቝጽሪ ተሌፎን 22 84 29 50 ክትድውሉልና ወይ ከኣ ናብቲ ኣብ Skippergata 23 ዝርከብ ቤት ጽሕፈትና ክትበጽሑና ትኽእሉ ኢኹም።

ኣገዳሲ!

ኣብ ላዕሊ ውዕል ዓሚል ዝብል ጽሑፍ ክትረኽቢ ኢኺ። ካባና ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ እንተ ዄንክን እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክትረኽቢ ከም እትኽእልን ንምፍላጥ፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ከተንብብዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብ ላዕሊ ፖሊሲ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ እውን ክትረኽቢ ኢኺ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ድማ፡ JURK ነቲ ኻባኺ ዝረኽቦ መረዳእታ ብኸመይ ከም ዝሕዞ ከምኡውን ኣብ ጕዳይኪ እንገብሮ ሓገዝ ብዝተሓሓዝ ብዛዕባኺ ዝምልከት መረዳእታ ከነቐምጥ ከለና እንታይ መሰላት ከም ዘለኪ ንምፍላጥ፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ኸተንብብዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ምምሕዳር፦

ድሮ ብኣና ተታሒዙ ብዛዕባ ዘሎ ጕዳይ ክትሓትቱ እንተ ደሊኹም፡ ናብ ተሌፎን መቐበሊ ዓማዊል ደውሉ።
ሞያዊ ኣማኻርን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ምስ ምስላጥ ጕዳይ ብዝተሓሓዝ ኣይሰርሑን እዮም።

ኣካያዲ ስራሕ፦ Susan Arulanantham
ሞባይል፦ 978 91 123 
ኢመይል፦ leder@jurk.no

ሞያዊ ኣማኻሪ፦ Åsne Solberg
ሞባይል፦ 400 58 066

ኢመይል፦ fagradgiver@jurk.no

 

Publisert 31. jan. 2024 08:58 - Sist endret 20. aug. 2025 13:05