ውዕል ዓሚል፦

Gul bygningsfasade

ውዕል ዓሚል

ፖሊሲ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ

ተሌፎን መቐበሊ ዓማዊል፦ 22 84 29 50
ኣድራሻ፦ Skippergata 23, 0154 Oslo
ኢመይል፦ post-mottak@jurk.no 
ብኢመይል ዝቐርቡ ጉዳያት ከም ዘይንቕበል ኣስተውዕሉ ኢኹም። ሓደስቲ ጕዳያት እንቕበለሉ ቦታን ሰዓትን ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ርአ።

ሓደስቲ ጕዳያት ብተሌፎን እንቕበለሉ ናይ ስራሕ ሰዓታት፦

ኵሉ ሳዕ ሰኑይ ካብ ሰዓት 12.00 ክሳብ ሰዓት 15.00፣ ኵሉ ሳዕ ረቡዕ ካብ ሰዓት 09.00 ክሳብ ሰዓት 12.00 ከምኡውን ካብ ሰዓት 17.00 ክሳብ ሰዓት 20.00

ብኣካል መጺእኩም እተቕርብዎ ሓደስቲ ጕዳያት እንቕበለልሉ ናይ ስራሕ ሰዓታት፦

ኵሉ ሳዕ ሰኑይ ካብ ሰዓት 12.00 ክሳብ ሰዓት 15.00፣ ኵሉ ሳዕ ረቡዕ ካብ ሰዓት 17.00 ክሳብ ሰዓት 20.00

ድሮ ምሳና ጉዳይ እንተልይኩም እንኸፍተሉ ናይ ስራሕ ሰዓታት፦

ኵሉ ሳዕ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ሰዓት 09.00 - 15.00

ጕዳይኩም ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ስደዱልና፦

በዚ ጕዳይኩም ስደዱልና ዝብል ጌርኩም እውን ምሳና ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ጉዳይኩም ምስ በጽሓና፡ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታትና ሓደ ኣካያዲ ጉዳይ ምሳኹም ርክብ ክገብር እዩ።

ጉዳይኩም ብፖስታ ክትሰዱልና ትኽእሉ ኢኹም፦

ኣድራሻና፦ JURK, Skippergata 23, 0154 Oslo.

ተወሳኺ ሓበሬታ

ምስ ሕጊ ዝተሓሓዝ ጕዳያት ብኢ-መይል መልሲ ኣይንህብን ኢና።
JURK ንኹሎም ጉዳያት ብጽሑፍ ከም ዘሳልጦምን እቲ ናይ መስርሕ ግዜ ድማ ሰለስተ ሰሙን ምዃኑን ይሕብር።

ብቝጽሪ ተሌፎን 22 84 29 50 ክትድውሉልና ወይ ከኣ ናብቲ ኣብ Skippergata 23 ዝርከብ ቤት ጽሕፈትና ክትበጽሑና ትኽእሉ ኢኹም።

ኣገዳሲ!

ኣብ ላዕሊ ውዕል ዓሚል ዝብል ጽሑፍ ክትረኽቢ ኢኺ። ካባና ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ እንተ ዄንክን እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክትረኽቢ ከም እትኽእልን ንምፍላጥ፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ከተንብብዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብ ላዕሊ ፖሊሲ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ እውን ክትረኽቢ ኢኺ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ድማ፡ JURK ነቲ ኻባኺ ዝረኽቦ መረዳእታ ብኸመይ ከም ዝሕዞ ከምኡውን ኣብ ጕዳይኪ እንገብሮ ሓገዝ ብዝተሓሓዝ ብዛዕባኺ ዝምልከት መረዳእታ ከነቐምጥ ከለና እንታይ መሰላት ከም ዘለኪ ንምፍላጥ፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ኸተንብብዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ምምሕዳር፦

ኣካያዲ ስራሕ፦ ፐትሪነ ኣይቫርሰን
ሞባይል፦ 948 90 040
ኢመይል፦ leder@jurk.no

ሞያዊ ኣማኻሪ፦ ኣድጊ ሶልበርግ
ሞባይል፦ 400 58 066

ኢመይል፦ fagradgiver@jurk.no

ድሮ ብኣና ተታሒዙ ብዛዕባ ዘሎ ጕዳይ ክትሓትቱ እንተ ደሊኹም፡ ናብ ተሌፎን መቐበሊ ዓማዊል ደውሉ።
ሞያዊ ኣማኻርን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ምስ ምስላጥ ጕዳይ ብዝተሓሓዝ ኣይሰርሑን እዮም።

Publisert 31. jan. 2024 08:58 - Sist endret 15. apr. 2024 11:28