ስምምዕ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ

ስምምዕ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ

ፖሊስ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ JURK - ናይ ሕጊ ምኽሪ ንደቂ ኣንስትዮ

ፖሊስ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ JURK - ናይ ሕጊ ምኽሪ ንደቂ ኣንስትዮ

 

መወዳእታ እተቐየረሉ ዕለት፦ 21.11.2022 ብፔትሪን ኢቨርሰን

 

 

እዚ ፖሊስ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ JURK እዩ። ምሳና ዓሚል እንተ ዄንኪ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺ ሓበሬታ ክትህቢ ንሓትት። ንስታቲስቲክስ እንጥቀመሉ ገለ ሕቶታት እውን ክትምልሲ ንሓትት። ንዅሉ ሓበሬታ ብውሑስ መገዲ ናይ ምሓዝ ሓላፍነት ኣለና። ነቲ ሓበሬታ ብኸመይ ከም እነሰላስሎ ክትፈልጢ መሰል ኣሎኪ፡ ብዛዕባኡ ድማ ኣብዚ ጽሒፍና ኣለና። ብዛዕባ እዚ ዝዀነ ሕቶ ምስ ዝህልወኪ ክትረኽብና ትኽእሊ ኢኺ። ናይ ርክብ ሓበሬታና ኣብ መወዳእታ ናይዚ ጽሑፍ ክትረኽብዮ ኢኺ። 

1 እቲ ሓበሬታ ንመን ከም ዝምልከት፦

ኣብዚ ዝጸሓፍናዮ ሓበሬታ ንዝስዕቡ ዝምልከት እዩ፦

  • ሓገዝን መምርሕን ደልየን ምሳና ርክብ ንዝገብራ
  • ኣብ ሓደ ጉዳይ ሓገዝ ንገብረለን ንዘሎና ደቂ ኣንስትዮ
  • ነቶም ኣብቲ ሓገዝ እንህበሉ ኣብ ዘሎና ጕዳይ እተጠቕሱ ሰባት

2 ላማ፡ ዓይነታት ውልቃዊ ሓበሬታን ሕጋዊ መሰረትን፦ ኣብዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቲ ብዛዕባኺ ዝገልጽ ውልቃዊ ሓበሬታ እንሕዘሉን እንጥቀመሉን ምኽንያታት (ዕላማ)፡ እንታይ ዓይነት ውልቃዊ መረዳእታ ከም እንጥቀም፡ ነዚ ሓበሬታ ንምእካብን ንምስልሳልን ፍቓድ ዝህበና እንታይ ምዃኑ (ሕጋዊ መሰረት) ዝምልከት ሓፈሻዊ ሓበሬታ ኣሎ።

 

ሓገዝ ንምርካብ ምስ እትረኽብና፦

ሓገዝ ወይ ምኽሪ ስለ ዘድልየኪ ምሳና ርክብ ክትገብሪ ኸለኺ፡ ጉዳይኪ ክንሕዞ ዘይንኽእለሉ ምኽንያት እንተሃልዩ ክንምርምር ኣሎና። ድሮ ንኻልእ ነቲ ጕዳይኪ ዝምልከቶ ሰብ ንሕግዝ ስለዘለና ንዓኺ ክንሕግዝ ዘይንኽእለሉ ኵነታት ክህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ንኣብነት ምስ ካልእ ሰብ ጸገም እንተልዩክን፡ ነዚ ሰብ እዚ ክንሕግዞ ድሮ ወሲንና እንተ ዄንናን ክኸውን ይኽእል። ነዚ ንምፍላጥ ኣብ መዛግብትና ስምኪ ንደልዮ ኢና። ነዚ ገምጋም ንምግባር ጉዳይኪ ብዛዕባ ጕዳይኪ ዝምልከት ሓበሬታ እውን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ክንሕግዘኪ ከም ዘይንኽእል እንተ ወሲንና፡ ብዛዕባ ዝምልከት ሓበሬታ ኣይንምዝግብን ኢና።

 

 

(ነዚ መርመራ እዚ "ውልቃዊ መርመራኢልና ንጽውዖ፣ ነዚ ንምግባር ዘኽእለና ሕጋዊ መሰረት ድማ ኣብ GDPR ዓንቀጽ 6 ቁጽሪ 1 (f) ይርከብ።)

ክንሕግዘኪ ከም እንኸውን እንተ ወሲንና፡ ንዓኽን ንጉዳይክን ክንምዝግበካ ኢና። ጕዳይኪ ተወሳኺ መርመራ ክሳዕ እንገብረሉ፡ ኣብ ምንታይ መዳይ ክንሕግዘኪ ከም እንኽእል ቃል ክንኣትወልኪ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ እቶም ምሳና ኣብ ጉዳይ ዝሰርሑ ሰባት ተማሃሮ ስለዝኾኑ፡ ቅድሚ መልሲ ምሃቦም ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብጉጅለ ክዛረቡ ኣለዎም። ከምኡ እንገብር ድማ ዋላ እኳ እቶም ኣብዚ ዝሰርሑ ትምህርቶም ዘይወድኡ እንተዀኑ፡ ቅኑዕ ሓገዝ ክትረኽቢ ንምግባር እዩ።

 

ነቲ ጉዳይ ክንምዝግቦ ከለና፡ ምሳኺ እንራኸበሉ ናይ ርክብ ሓበሬት ንወስድ ኢና። እዚ ድማ፡ ስም፡ ቁጽሪ ተሌፎን፡ ኣድራሻን ኢ-መይልን እዩ። እዚ እንገብሮ ድማ ክንረኽበኪ ክንክእል ስለ ዘድልየና፡ ከምኡ’ውን ንዓኺ ወይ ንዓኺ ወኪልና ደብዳቤ ክንጽሕፍ እንተኾይንና እቲ ሓበሬታ ከድልየና ስለ ዝኽእል እዩ። ነቲ ብዛዕባኺ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብቲ ንዅሉ ሓበሬታ ዓማዊልናን ጉዳያቶምን እንዕቅበሉ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ንዕቅቦ። ሓድሓደ ግዜ ቁጽሪ መለለዪ መንነትኪ የድልየና እዩ፣ ንኣብነት ጥርዓን ክንጽሕፈልኪ ዘድልየና እንተ ዀይኑ። ከምኡ እንተኾይኑ፡ ከድልየና ኸሎ ኽንሓትተኪ ኢና። ነዚ ኣብ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ብቐጥታ ኣይንምዝግቦን ኢና፣ ኰይኑ ግን፡ ንኣብነት ኣብ ናይ ጥርዓን ደብዳበ እንተ ጽሒፍናዮ፡ እቲ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ብኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ (ኣብ ኮምፒተር) ምሳና ክቕመጥ እዩ።

 

ነቲ ጉዳይኪ ኣብ እንሰርሓሉ ዘለና እዋን፡ ብዛዕባኽን ብዛዕባ ጉዳይክን ዝምልከት ሓበሬታ ብወረቐት ተሓቲሙ ኣብ ማህደር እቲ ተሓዚ ጉዳይ ክቕመጥ ይኽእል እዩ። እቲ ተሓዚ ጉዳይኪ ነቲ ጉዳይኪ ኣብ ዘይርእየሉ ግዜ ኸኣ እዚ ማህደር እዚ ኣብ ሳጹን ይዕጾ። እቲ ጕዳይ ምስ ተዛዘመ ድማ ነቲ ማህደር ቀዲድና ንጉሕፎ ኢና።

 

(ብዛዕባኺ ዝምልከት ሓበሬታ ክንምዝግብ ከለና፡ ንጉዳይካ ክንምርምሮ ተሰማሚዕና ኣለና ማለት እዩ፣ ነዚ ንምግባር ዝኽእለና ሕጋዊ መሰረት ድማ ኣብ GDPR ዓንቀጽ 6 ቁጽሪ 1 (b) ይርከብ።)

 

ብዛዕባ ስታቲስቲክስ ምስ እንሓትተኪ፦

ንዅሉ ምሳና ርክብ ዝገብር ሰብ ናይ ስታቲስቲክስ ፎርም ክመልእ ንሓትት ኢና። ብወብሳይትና ኣቢልኪ ጕዳይኪ እንተ ኣቕሪብኪ፡ ነቲ ናይ ስታቲስቲክስ ፎርም ባዕልኺ ኢኺ እትመልእዮ። ጉዳይኪ ብተሌፎን ወይ ብኣካል ብምምጻእኪ እንተ ተቐቢልናዮ፡ ነቲ ናይ ስታቲስቲክስ ፎርም ክንመልኣልኪ ኢና። 

ንዓኽን ንኻልኦት ሰባትን ብናጻ ክንሕግዘካ እንኽእለሉ ምኽንያት፡ ንኣብነት ካብ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ኮሙነ ኦስሎ፡ ቤት ምኽሪ ድሕንነትን ካልኦት ትካላትን ገንዘብ ስለ እንረክብ እዩ። ብዙሓት ካብዚኦም ድማ ክንደይ ሰባት ከም እንሕግዝ፡ ኣብ ክንደይ ጉዳያት ከም እንሕግዝ፡ ዓማዊልና ካበየናይ ሃገር ከም ዝመጹ፡ ብግምት ኣታዊኦም ክንደይ ከም ዝዀነ ወዘተ ዝብሉ ስታቲስቲክስ ከነቕርብ ይጠልቡና እዮም። ስለዚ፡ ነዚ ሓበሬታ ክንምዝግ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ፡ ቅኑዕ ስታቲስቲክስ ክንሰድድን JURK ስራሑ ንኽቕጽል ዝሕግዞ ገንዘብ ንኽንረክብን የኽእለና እዩ። ካብ ዓማዊልና ስታቲስቲክስ እንተ ዘይረኺብና ገለ ክፋል ደገፍና ክንስእን ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተደኣ ኣጋጢሙ ኸኣ፡ JURK ንትካሉ ክዓጽዎ ኣለዎ ማለት እዩ።  ብተወሳኺ፡ ንዓማዊልና ዝጠቅም ሕጊ ንምርካብ ብፖለቲካዊ መገዲ እውን ንሰርሕ ኢና። ሓደሓደ ግዜ ስታቲስቲክስ ተጠቒምና ንፖለቲከኛታት ክፈትሕዎም ዘለዎም ኢልና እንሓስቦም ኣገደስቲ ጸገማት ከነርእዮም ንኽእል ኢና።

 

ስለዚ፡ ኣብ ስታቲስቲክስና እንጥቀመሎም ሕቶታት ክትምልሲ እንሓተኪ ክልተ ምኽንያታት ኣለዉ፦ ትካልና ንምምራሕ ገንዘብ ክንረክብ ስለ ዝሕግዘና፡ ከምኡውን ብፖለቲካዊ መገዲ ስለ እንጥቀመሉ።

 

ነቲ ስታቲስቲክስ ክንጥቀመሉ ከለና ኩሉ ግዜ ስም ናይቲ ሰብ ኣይንጥቀምን ኢና። እዚ ማለት እቲ ዝሃብክዮ ናይ ስታቲስቲክስ ጸብጻብ ብልክዕ ናትኪ ከም ዝዀነ ክፍለጥ ኣይክእልን እዩ። እቲ ስታቲስቲክስ ሓፈሻዊ ክኸውን እዩ። ንኣብነት ነቲ ስታቲስቲክስ ብኸምዚ ዝስዕብ ንጥቀመሉ፦ "45% ዓማዊል JURK ኖርወጅያኛ ቋንቋ ኣዲኦም ኣይኰነን።”

 

እቲ ስታቲስቲክስ ድሕሪ 5 ዓመት ክድምሰስ እዩ።

 

ነቲ ናይ ስታቲስቲክስ ቅጥዒ መልሲ ክትህቢ እንተ ዘይደሊኺ፡ ብመሰረት GDPR ዓንቀጽ 21፡ ነቲ JURK ንውልቃዊ መረዳእታ ዝጥቀመሉ መገዲ ኽትቃወሚ ትኽእሊ ኢኺ።

 

(ብዛዕባ ስታቲስቲክስ ሕቶታት ክትምልሲ ምስ እንሓትተኪ፡ ብመሰረት ናይ ኣድላይነት ገምጋም ኢና ንገብሮ። እቲ ሕጋዊ መሰረት ድማ ሕጊ ውልቃዊ መረዳእታ ዓንቀጽ 8 9ን፡ ከምኡውን GDPR ዓንቀጽ 6 ቁጽሪ 1 (f) እዩ።)

 

ነቲ ካባኺ ዝረኸብናዮ ስታቲስቲክስ ክድምሰስ እንተ ደሊኽዮ፡ ምሳና ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

 

ኣተሓሕዛ ጉዳይ፦

ሓደሓደ ግዜ፡ ገለ ጕዳያት ክንሰርሕ ከለና፡ ብዘይካ እቲ እንሕግዞ ሰብ ብዛዕባ ካልእ ሰብ ሓበሬታ ዝሓዘ ሰነዳት (ንኣብነት ደብዳቤታት) ንረክብ ኢና። ነዞም ሰነዳት ኣብ ናይ ኮምፒተር ፕሮግራም ኢና ንዕቅቦም፣ ኣብኡ ድማ ኩሉ ሓበሬታ ብዛዕባ ዓማዊልናን ጉዳያቶምን ንእክብ። ምሳኽን ምስ ካልኦት ኣብቲ ጉዳይ ዘለዉን ብዛዕባ ዝገበርናዮ ዝርርባት እውን ጸብጻብ ንጽሕፍ ኢና። ኣብቲ ጉዳይ ኣብ እንሰርሓሉ እዋን፡ እቲ ተሓዚ ጕዳይኪ ነቲ ሰነዲ ሓቲሙ ኣብ ሓደ ማህደር ከቐምጦ ይኽእል እዩ። እቲ ተሓዚ ጉዳይኪ ነቲ ጉዳይኪ ኣብ ዘይርእየሉ ግዜ ኸኣ እዚ ማህደር እዚ ኣብ ሳጹን ይዕጾ። እቲ ጕዳይ ምስ ተዛዘመ ድማ ነቲ ማህደር ቀዲድና ንጉሕፎ ኢና።

 

(ነዚ ውልቃዊ መርመራ ብምግባር ብዛዕባኺ ዝምልከት ሓበሬታ ክንምዝግብ ዘኽእለና ሕጋዊ መሰረት ድማ ኣብ GDPR ዓንቀጽ 6 ቁጽሪ 1 (f) ይርከብ።)

 

ሓደሓደ ግዜ ካብ ዓማዊልና እንረኽቦ ሰነዳትን ወይ መግለጺታት ብዛዕባ ካልእ ካብ ዓሚልና ወጻኢ ዝዀነ ሰብ ዝገልጽ ውልቃዊ ሓበሬታ (ንኣብነት ብዛዕባ ጥዕና ወይ ገበናዊ መዝገብ ዝምልከት ሓበሬታ) ክኸውን ይኽእል እዩ።

 

(ከምዚ ዝኣመሰለ መረዳእታ ብመሰረት እቲ ሕጋዊ ክሲ ንምምስራት፡ ንምጽራር ወይ ንምክልኻል ዝምልከት ሕግታት GDPR ዓንቀጽ 9 ቁጽሪ 2 (f) ከምኡውን ሕጊ ውልቃዊ መረዳእታን ዓንቀጽ 11 ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።)

 

ኣብ ጉዳይኪ ዝጸሓፍናዮ ደብዳበ ኣብ ካልእ ጉዳይ ከም ሓገዝ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና፦

ብዙሓት ካብቶም ናባና ዝመጹ ተመሳሳሊ ጉዳይ ኣለዎም። ብዝተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ክንሕግዝ ምእንቲ፡ ገለ ካብቲ ዝጸሓፍናልኪ ነገራት ንኻልኦት ደብዳቤ ንምጽሓፍ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብኸመይ ፍትሕ ከም እትፍጽም ብዝምልከት ሕቶታት ሓገዝ ንምርካብ ክትረኽብና ትኽእሊ ኢኺ። ብድሕሪኡ ብዛዕባ እዚ ደብዳበ ክንጽሕፈልኪ ኢና። ኣብ ካልእ ግዜ ኸኣ ካልእ ሰብ መጺኡ ብዛዕባ ተመሳሳሊ ሕቶ ይሓትት ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ ሓደ ዓይነት ነገር ብተደጋጋሚ ምእንቲ ኸይንጽሕፍ፡ ካብቲ ደብዳበኺ ዝሰማማዕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።

 

እዚ ክንገብር ከለና ንኻልኦት እንካፈሎ ውልቃዊ ዝዀነ መዳያት ናይቲ ጉዳይኪ ኣይኮነን፣ ነቲ ዝያዳ ሓፈሻዊ ዝዀነ ነገራት ኢና እንወስድ። እቲ ካልእ እንሕግዞ ሰብ ኣብ ተመሳሳሊ ጕዳይ ንኻልእ ሰብ ከም ዝሓገዝና ዀነ ምስቲ ዝሃብናኪ ሓበሬታ ማዕረ ዝዀነ ሓበሬታ ኣብ ጕዳዩ ከም እተጠቐምና ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ።

 

(እዚ ክንገብር ዝተፈቕደልናሉ ምኽንያት፡ ከምቲ ኣብ GDPR ዓንቀጽ 6 ቍጽሪ 1 (f) እተገልጸ ተወሳኺ ሓገዝ ምኽሪ ንምሃብ ስለ ዝጠቕመና እዩ።)

 

ኩሎም ዓማዊልና ገለ ካብቲ እንጽሕፎ ደብዳቤታት መሊስና ኣብ ካልእ ጕዳይ ክንጥቀመሉ ከለና ንዝያዳ ሰባት ክንሕግዝ ከም እንኽእል ክርድኡልና ተስፋ ንገብር። ነቲ ዝጸሓፍናልኪ ኣብ ካልእ ጉዳያት እንተ ተጠቒምናሉ ጸገም ዘለዎ እንተ መሲሉኪ፡ ክትረኽብና ትኽእሊ ኢኺ፣ ንጕዳይኪ ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ጉዳያት ንኸይንጥቀመሉ ድማ ክንሓስበሉ ንኽእል።

 

ምኽዛንን ምዕቃብን ሰነዳት ጉዳይ፦

ነቲ ጉዳይኪ ኣብ እንሰርሓሉ ዘለና እዋን፡ ብዛዕባኽን ብዛዕባ ጉዳይክን ዝምልከት ሰነዳት ተሓቲሙ ኣብ ማህደር እቲ ተሓዚ ጉዳይ ክቕመጥ እዩ። እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ናይ ጽሑፋት ኣርማድዮ ይዕጾ። ኩሉ ዝረኸብናዮ ኦርጅናል ሰነዳት ንሰደልኪ ኢና፣ እቲ ቕዳሕ ግን ኣብ ፋይል ንሕዝ፣ ቅዳሕ ድማ ናብ ኤሌክትሮኒካዊ መኽዘን ንጽዓኖ (ማለት ኣብ ኮምፒዩተራት ንዕቅቦ)። ኩሉ ኣብ ኮምፒዩተራትና እንዕቅቦ ኣብ ውሑስ መኽዘን ቦታ፡ "ፋየርዎል" ብዝብሃል መስርሕ ሶፍትዌር ድሕንነቱ ዝሕሎ እዩ። ኣብ ጉዳይኪ ሓገዝ ምሃብና ምስ ወዳእና፡ ገና ኦርጅናል ዝዀነ ሰነዳት እንተሃልዩና ክንምርምር ኢና። እዚ ኦርጅናል ሰነዳት እንተሃልዩና ድማ ክንሰደልኪ ኢና። ብድሕሪኡ ንብምሉኡ እቲ ናይ ጉዳይ ፋይል ንቐድዶ፡ ነቲ ብኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ ዝዓቀብናዮ ግን ኣይነጥፍኦን ኢና። ጉዳይኪ ምስ ተዓጽወ ን10 ዓመት ንዕቅቦ ኢና።

 

(ጉዳይኪ 10 ዓመት ብኤሌክትሮኒካዊ መገዲ እንዕቅበሉ ምኽንያት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንዓኻን ንዓናን ኣድላዪ ኮይኑ ስለ ዝሕሰብ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ጉዳይ ድሕሪ ግዜ ዳግማይ ክለዓል ስለ ዝኽእል ወይ ድማ ገለ ዓማዊል ብኣተሓሕዛ ጉዳይና እንተ ዘይዓጊቦም ድሕሪ ግዜ ምሳና ርክብ ክገብሩ ስለዝኽእሉ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም ዝነበረ ብቐሊሉ ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ እቲ ኣብቲ ጕዳይ ዘሎ ሓበሬታ ተዓቂቡ ኽጸንሕ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ክንገብር ዝፈቕደልና ሕጊ ድማ፡ GDPR ዓንቀጽ 6 ቁጽሪ 1 (f) ከምኡውን GDPR ዓንቀጽ 9 ቁጽሪ 2 (f) እዩ።)

 

ብመሰረቱ ቅድሚ 10 ዓመት ምሕላፉ ዝዀነ ሓበሬታን ሰነዳት ጉዳይን ክንድምስስ ኣይንኽእልን ኢና፣ እንተኾነ ግን ኣዝዩ ጸገም ዘለዎ እንተ መሲሉኪ ክትረኽብና ትኽእሊ ኢኺ፣ ድሕሪኡ ድማ ነዚ ብዝምልከት ብዛዕባ ጕዳይኪ ገምጋም ክንገብር ኢና።

 

ኣብ ቦርድ ዕርቂ፡ ኮሚተ ክርክር ክራይ ኣባይቲ ወዘተ ክንሕግዘኩም እንተኾይንና፦

ሓድሓደ ግዜ ዓማዊል ኣብ ቦርድ ዕርቂ፡ ኮሚተ ክርክር ኣባይትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ጕዳያት ክህልዎም ከሎ ንሕግዞም ኢና። ንኽንሕግዘኪ ፈጺምና ክፍሊት ኣይንሓትተክን ኢና፣ እቲ ጉዳይ ኣብዚ ንኽስራሕ ግን ገለ ገንዘብ ስለ ዝሓትት ባዕልኺ ክትሽፍንዮ ኣሎኪ። ቅድሚ ጉዳይኪ ምቕራብና ነቲ ገንዘብ ክትከፍልዮ ኣሎኪ። ነዚ ንምግባር ከኣ ብዛዕባኺ ገለ ሓበሬታ የድልየና እዩ።

 

ናባና ክፍሊት ምስ ገበርኪ፡ ኣብ ክፍሊ ሕሳብና ክኣቱ እዩ። ሰነዳት ሕሳብ ከኣ ንሓሙሽተ ዓመት ንሕዞ ኢና።

 

(እዚ ሓበሬታ እንዕቅበሉ ምኽንያት ንሕጊ ሕሳብ ኖርወይ ስለ እንስዕብ እዩ። ነዚ መሰረት ዝኸውን ሕጊ፡ ኣብ GDPR ዓንቀጽ 6 ቁጽሪ 1 (c) ይርከብ።)

 

ኣብ ሰነዳት ሕሳብ ዘሎ ሓበሬታ ቅድሚ 5 ዓመት ምሕላፉ ክንድምስሶ ኣይንኽእልን ኢና።

 

ብዛዕባ እቶም እንጥቀመሎም ስርዓታት ኮምፕዩተር፦

ሓበሬታ ንምኽዛን እንጥቀመሉ ኣዝዩ ውሑስ ዝኾነ ናይ ኮምፕዩተር ስርዓታት ኣለና። ነቲ ኣብ ስርዓት ኮምፕዩተር ዘቐመጥናዮ ሓበሬታ ክረኽቡ ዝኽእሉ፡ እቶም ኣብ JURK ዝሰርሑን ኣብ ኮምፒተር ሲስተም ዝሕግዙናን ጥራይ እዮም።

 

(ሓበሬታ ብስርዓትን ውሑስን ኣገባብ ንምኽዛንን ንምስራሕን ናይ ኮምፕዩተር ሲስተም ክንጥቀም ኣለና። ኮምፕዩተር ሲስተም ክንጥቀም ዝተፈቕደልና ሕጊ ድማ GDPR ዓንቀጽ 6 ቁጽሪ 1 (f) ከምኡውን ዓንቀጽ GDPR ዓንቀጽ 32 6 ቁጽሪ 1 (c) እዩ።)

 

3 ውልቃዊ መረዳእታ ንመን ከም እነካፍል

እቶም ብዳታ (ኣገልግሎት IT) ዝሕግዙና ሰባት ኣብ ስርዓታት ኮምፕዩተር ዝተዓቀበ ውልቃዊ ዳታ ናይ ምርኣይ ዕድል ክህልዎም ይኽእል እዩ። ነቲ ዘጋጠመና ናይ ኮምፕዩተር ጸገም ንምፍታሕ ዘየድልዮም ሓበሬታ ክርእዩ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ንዝዀነ ሓበሬታ ንኻልኦት ከካፍሉ እውን ኣይክእሉን እዮም።

 

ኣብ ጉዳይኪ ፍቓድ እንተ ሂብክና፡ ሓበሬታ ንኻልኦት ከነካፍል ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ኩሉ ግዜ ብዛዕባኡ ኣቐዲምና ክንሕብረኪ ኢና። እዚ ንኣብነት ጥርዓን ወይ ደብዳበ ክንጽሕፈልኪ እንተ ዄንና፡ እቲ ጥርዓን ወይ ደብዳበ ድማ ውልቃዊ ሓበሬታ እንተ ኣልይዎ ክኸውን ይኽእል።

 

ሕጋዊ መሰላት ንምውሓስ ዝግበር መጽናዕቲ፦

ኣብ JURK ዝግበር ስራሕ ብቐንዱ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕጋዊ ጉዳያት ንምሕጋዝን ንምምኻርን እዩ። ካልእ መዳይ ስራሕ JURK ከኣ ንፖለቲከኛታት ኣብ ስርሖም ጽልዋ ብምግባር ሓደስቲ ሕግታትን መምርሒታትን ከውጽኡ ምግባር እዩ። JURK ብፖለቲካዊ ጽልዋ ኣቢሉ፡ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ከማሓይሽ፡ ሕጋዊ መርገጺ ደቂ ኣንስትዮ ከሐይልን ንመጻኢ ወለዶ ደቂ ኣንስትዮ ለውጢ ከመዝግብን ይኽእል።

ንሕጋዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብእኹል መገዲ ዘየረጋግጹ ሕግታት፡ መምርሒታትን ሕጋዊ መዳያትን ከም ዘለዉን ንምርኣይ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ እዞም መዳያት ለውጢ ከም ዘድሊ ንምርኣይ፡ JURK ካብ ዓማዊሉ ዝረኽቦ ስታቲስቲክስን ሓበሬታን ከምኡውን መዝገብ ጉዳያት ምክፋል ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብቲ ዝካፈል ሓበሬታ ስም ናይቲ ሰብ ኣይርቋሕን እዩ፣ እዚ ማለት ድማ በቲ ሓበሬታ ኣቢልካ ንመንነት እቶም ዓማዊል ኰነ ካልኦት ሰባት ክትፈልጥ/ከተለሊ ኣይከኣልን ማለት እዩ።

እቲ ሓበሬታ፡ ምስ JURK ብምትሕብባር ምርምር ዝገብራ እተፈላለያ ትካላት ምርምር (ንኣብነት UiO) ክረኽባኦ ይኽእላ እየን፣ እቲ ሓበሬታ እቶም ናይ ዩኒቨርስቲ መመረቒ ጽሑፍ ዝጽሕፉ ኣብ JURK ዝሰርሑ ዝነበሩን ነቲ ስታቲስቲክስ ክረኽቡ ዝደልዩን ተሓዝቲ ጕዳይ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ JURK ባዕሉ መጽናዕቲ ኽገብር ከድልዮ ኸሎ ነቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ።

JURK ኣብ ፕሮጀክትታት መጽናዕቲ ዝሳተፍ፡ ዕላማ እቲ ፕሮጀክት ሕጋዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ንምሕያል ምስ ዝጠቅም ወይ ብኻልእ መንገዲ ንደቂ ኣንስትዮ ወይ ተቓላዕቲ ጉጅለታት ንዘይጠቕሙ ሕግታትን ስርዓታትን ናይ ምቕያር ዕድል ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። ብዘይካዚ፡ JURK ከም ሞያውን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘተኰረ ትካልን መጠን እውን ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ይደሊ እዩ።

 

4 መሰልኪ

ብዛዕባኺ ሓበሬታ ክንዕቅብ ከለና፡ እዞም ዝስዕቡ መሰላት ኣለዉኺ፦

 

መረዳእታ ኽትርእዪ ናይ ምሕታት መሰል፦

ኣብ ጕዳይኪ ብዛዕባኺ እንታይ መረዳእታ ከም ዝኣከብና ኽትርእዪ መሰል ኣሎኪ። ምስጢር ናይ ምሕላው ግዴታና ዝጥሕስ ክሳዕ ዘይኰነ፡ ነዚ ኽንህበኪ ኢና።

 

መረዳእታ ክእረም ወይ ክድምሰስ ናይ ምሕታት መሰል፦

ዘይቅኑዕ ውልቃዊ መረዳእታ እንተ መዝጊብና፡ ክንእርሞ ክትሓትትና ትኽእሊ ኢኺ፣ ወይ ድማ ሓበሬታኺ ክንድምስስ ክትሓትና ትኽእሊ ኢኺ። ውልቃዊ መረዳእታኺ ክንድምስሶ እንተ ሓቲትክና፡ ከምኡ ክንገብር ንኽእል እንተ ዄንና ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ነቲ ሓበሬታ ክንድምስሶ ዘይንኽእለሉ ኣገደስቲ ምኽንያታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፣ ንኣብነት ነቲ ዘጋጠመ ዅነታት ክንስነድ ኣገዳሲ እንተ ዀይኑ።

 

ናብ በዓል መዚ ሓለዋ መረዳእታ ኖርወይ ጥርዓን ምቕራብ፦

ውልቃዊ መረዳእታኺ ብጌጋ ከም እተጠቐምናሉ እንተ ተሰሚዑኪ፡ ናብ በዓል መዚ ሓለዋ መረዳእታ ኖርወይ ጥርዓን ከተቕርቢ ትኽእሊ ኢኺ።

 

5 ድሕንነት

ውልቃዊ መረዳእታኺ ምሳና ብውሑስ መገዲ ንኽቕመጥ እንገብረሉ ስርዓታት ኣሎና። እቲ ስርዓታት፡ ንሰራሕተኛታትና ስልጠና ምሃብ፡ ሰነዳት ኣብ ኣብያተ ጽሕፈትና ብውሑስ መንገዲ ከም ዝኽዘን ምግባር፡ ኣብ ኮምፒዩተራት ዝኽዘኑ ሰነዳት ብውሑስ መንገዲ ከም ዝቕመጥ ምግባር የጠቓልል።

 

6 ኣብ ፖሊሲ ውልቃዊ መረዳእታ ዝግበር ለውጢ

ነቲ ፖሊሲ ውልቃዊ መረዳእታ እንተ ቐይርናዮ፡ ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ ኣብ ወብሳይትና ክንዝርግሖ ኢና። ኩሉ ግዜ ኣብ ላዕሊ ናይቲ ሰነድ እቲ ፖሊሲ ውልቃዊ መረዳእታ ንመወዳእታ ግዜ መዓስ ከም እተቐየረ ክትርእይዮ ትኽእሊ ኢኺ።

 

7 ርኸብና

ብዛዕባ ውልቃዊ መረዳእታ ዝምልከት ሕቶታት ወይ ርእይቶ ምስ ዝህልወኪ፡ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻና ክትረኽብና ትኽእሊ ኢኺ፦

 

JURK – Juridisk rådgivning for kvinner, Skippergata 23, 0154 Oslo

Tlf: 22 84 29 50

E-post: post-mottak@jurk.no

Publisert 31. jan. 2024 08:54 - Sist endret 31. jan. 2024 09:03