ብዛዕባ JURK፦

JURK ካብ 1974 ኣትሒዙ ንልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሕጊ ሓገዝ ሂቡ እዩ። JURK ነቲ ግብራዊ ናይ ሕጊ ሓገዝ ብምሃብ ዝረኽቦ ተመኩሮ ኣብ ስራሕ ሕጋዊ ፖሊሲ ይጥቀመሉ። እዚ ድማ እምነ ዅርናዕ ስነ ሓሳብ JURK ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብዛዕባ ጭቡጥ ሕጋዊ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ዘለና ፍልጠት ናብ ሕብረተሰብ ክመሓላለፍ ኣለዎ፣ በዚ መንገዲ እዚ ድማ እቲ እንህቦ ናይ ሕጊ ሓገዝ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ እትረኽቦ ጭቡጥ ሓገዝ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ ይኸውን።

JURK ኣብ ውሽጢ ሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ዝረኸቦ ተመኩሮ ከም ዘመልክቶ፡ ጾታዊ ገለልትነት ዘለዎ ሕጊ ዀነ ሕጊ ማዕርነት ሕጊ ጸረ ኣድልዎን ንሓርነት ደቂ ኣንስትዮ ወይ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕርነት ንኽህልወን ውሕስነት ኣይከውንን እዩ።

ብ1972 ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ ፋኩልቲ ሕጊ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ፡ ጉጅለ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ መስሪተን። ብ1974 ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ ፋካሊቲ ሕጊ ኣብ ጉጅለ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ጠበቓታትን ተማሃሮን "ናጻ ሕጋዊ ሓገዝ ንደቂ ኣንስትዮ" ዝብል ትካል መስሪተን። እዚ ምስረታ እዚ ውጽኢት እቲ እተኻየደ መጽናዕታዊ ፕሮጀክት ኮይኑ፡ እቲ መጽናዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ መሰላተን ሰፊሕ ኣፍልጦ ከም ዘይብለን ኣቃሊዑ እዩ። ብዘይካዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ብዛዕባ ሕጋዊ መሰላተን ዘለወን ፍልጠን ንዅነታተን ምምሕያሽ ከም ዘይጥቀማሉ በቲ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ ነይሩ። ብ1978፡ እቲ ናይ ቀደም ስም ምስ ቤት ጽሕፈት ናጻ ናይ ሕጊ ሓገዝ ብቐሊሉ ከደናገር ስለ ዝኽእል፡ ስም ናይቲ ትካል ናብ ናይ ሕጊ ምኽሪ ንደቂ ኣንስትዮ - JURK - ተቐይሩ።

ኣብቲ እዋን ዕላማ JURK ንጭቆና ደቂ ኣንስትዮ ንምምካትን ሕጋዊ ደረጃ ደቂ ኣንስትዮ ንምምሕያሽን እዩ ነይሩ። ዕላማ ናይቲ ኣብ JURK ዝተገብረ ስራሕ ከምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ነይሩ፦

  • ናጻ ሕጋዊ ምኽሪ ምሃብ

  • ንደቂ ኣንስትዮ ዘድልየን ሕጋዊ ሓገዝ ምጽናዕ

  • ሕጋዊ ኵነታት ደቂ ኣንስትዮ ምጽናዕን ምምሕያሽን

  • ንተማሃሮ ሕጊ ግብራዊ ዝዀነ ናይ ሕጊ ስልጠና ምሃብ

እቲ "ናጻ ሕጋዊ ሓገዝ ንደቂ ኣንስትዮ" ዝብሃል ናይ ምኽሪ ጕጅለ፡ እቶም ተማሃሮ ሕጊ ዕጫ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክፈልጡ ኣኽኢልዎም እዩ፣ ንብዙሓት ጠበቓታት ክዀኑ ትምህርቲ ዝወስዱ ድማ ኣብ መንጎ ወግዓውን ጭቡጥን ሕጊ ክህሉ ዝኽእል ሃጓፍ፡ ከምኡውን ኣብ መንጎ ሕጋዊ መሰላትካ ክትረክብ ዘሎካ መሰልን ብሓቂ ነቲ መሰላት ምርካብን ዘሎ ፍልልይ ክፈልጡ ሓጊዝዎም እዩ።

ካብቲ ናይ ሕጊ ሓገዝ ምኽሪ ዝረኸባ ደቂ ኣንስትዮ እተረኽበ ተመኩሮታት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ንምምዕባል መሰረት ኰይኑ እዩ። ብዘይካዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንናይ ሕጊ ስርዓት ክምርምራ መሰረት ኣንቢሩ እዩ። ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ (ብ1974 ኣብ ኤውሮጳ ናይ መጀመርታ ዝዓይነቱ ዀይኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ እተጀመረ ዓይነት ትምህርቲ) ከምኡውን ካልእ ዝተረፈ ንሕጊ ዝነቅፍ ምንቅስቓሳት፡ ሕጊ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ክብርታት ምስ ምምራጽ ከም ዝተሓሓዝ፡ ሕግታት ከኣ ከምቲ ክኢላታት ሕጊ ዝገልጽዎ ዘይኰነስ ዕላማኦም ከም ዘይወቕዑ ኣቃሊዑ እዩ።

ድሕሪ 1970ታት ኣብ ማዕርነት ጾታ ዘተኰሩ ብርክት ዝበሉ ሕግታት ተኣታትዮም፣ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ዝነበሮም ፍሉይ ሓለፋታት ስኢኖም፣ ንኣብነት ብ1974 ኣብ ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ ንብረት፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ብማዕረ መሬት ክወርሱ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ፣ ብ1979 ኣብ ዝወጸ ብዛዕባ ስም ዝገልጽ ሓድሽ ሕጊ ድማ እቲ ሰብኣይ ንብዓልቲ ቤቱን ንስድራቤቱን ናይ ስድራቤት ስም ክህቦም ዝነበሮ መሰል ተኣልዩ። እቲ ብ1975 ዝወጸ ሕጊ ምቍራጽ ጥንሲ ከኣ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ብዝምልከት ባዕለን ክውስና መሰል ሂቡ። ሕጊ ማዕርነት ኣብ 1978 ዝተኣታተወ ኮይኑ፡ እቲ ሕጊ ኣብ ወረቐት ማዕርነት ከም ዝህብ፡ ብተግባር ግን ዘይማዕርነት ከም ዝቐጸለ ብምምልካት ኣባላት JURK ኖርወይ ነበር ብዙሕ ነቒፎምዎ እዮም።

ኣብ መጀመርታ 1979ታት ንኣረኣእያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ዘእተወ ሰብኣዊ መሰላት መሰረት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣይነበረን። ውዕል ሕቡራት ሃገራት ንምውጋድ ኵሉ ኣድልዎ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ (CEDAW) ኣብ 1979 ጸዲቑን ኣብ 1982 ኣብ ግብሪ ወዒሉን እዩ። ብ162 ሃገራት ዝጸደቐ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ግን ኣንጻር ኣገዳሲ ድንጋገታት እቲ ሕጊ ተዓቂበን ስለ ዘለዋ፡ ብተግባር ዝፍጸም ውሑድ ግዴታታት ጥራይ እዩ።

እቲ ሕጊ ሕጂ ብወግዒ ጾታዊ ኣድልዎ ዘይብሉ እዩ። ብተግባር ግን ኣብ ናይ ግጭት ኵነታት መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝኸፍአ እዩ ዘጋጥመን። ስለዚ፡ ብወግዒ ጾታዊ ኣድልዎ ከም ዘይህሉ ዝገልጽ ሕጊ፡ ብተግባር ናብ ዝርአ ሓቀኛ ማዕርነት ኣይመርሕን እዩ።

ኣብ 1975 እቲ “ናጻ ሕጋዊ ሓገዝ ንደቂ ኣንስትዮ” 27 ሰራሕተኛታት ዝነበሮ ኰይኑ፡ 265 ጉዳያት ድማ ኣሰላሲሉ። ኣብ 2000፡ JURK 14 ንጡፋት ሰራሕተኛታት ዝነበሮ ኰይኑ፡ ልዕሊ 3000 ጉዳያት ኣሰላሲሉ። ኣብ 2018፡ JURK 24 ንጡፋት ሰራሕተኛታት ዝነበሮ ኰይኑ፡ ልዕሊ 6,000 ጉዳያት ኣሰላሲሉ። ቁጽሪ ጕዳያት ብቐጻሊ ይውስኽ ኣሎ፡ እቲ ዓቕሚ ግና ንኹሉ ብዝሕግዝ መጠን ዓቢ ኣይኮነን።

Publisert 31. jan. 2024 08:52 - Sist endret 5. feb. 2024 10:45